እዋናዊ ዜና:- ሰበ-ስልጣን ንግሰነት ሱዑዲ ንፕረስደንት እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ሽኽ ሓሰን ስልማን ናጻ ለቕቑ

11/01/2012

ኣዉንታዊ ኣብ ዝኾነ ስጉምቲ። ድሕሪ ብዘተፈላለዩ ወገናትን ግብረ-ስናይ ሞንጎኛታትን ዝተኻየደ ጻዕሪታትን ምሕጽንታትን ፕረስደንት እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ሽኽ ሓሰን ስልማን  ብ 11/01/2012 ዓ.ም ( 17 ሰፈር 1433 ህጅርያ) ናጻ ለቕቑ። ከም ዝዝከር  ሽኽ ሓሰን ስልማን ዑምራ ንምክያድ ኣብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፍሪት ጅዳ ብወርሒ 6 ሮሞዳን 1432 ህጅርያ፣ ብሰበ-ስልጣን ንግሰነት ሱዑዲ ብዘይዝኾነ ክሲ ከምዝተኣስረ ይፍለጥ፣  ኣብዚ እዋን'ዚ። ሽኽ ሓሰን ስልማን ናጻ ኮይኑ ምስ ስድራ-ቤቱን።ፍተዉቱን።ደገፍቱን ሕጉስ ህይወት ኣብ ምሕላፍ ይርከብ፣ 

ኣል-ማሳር መርበብ-እንተርነት። ነዚ ዝሕጉስ ብስራት ናብ ኩሎም ኤርትራዊያን ብሓፈሻ። ንደገፍቲ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ብልዑል ሓጎስ ተበስር፣ ብተውሳኺ። ንኹሎም ምድንጋጾምን ሓድነቶምን ብመርበብ FACEBOOKን ካልኦት መርበባት-እንተርነትን ንዝገለጹ። ልባዊ ምስጋናን ኣኽብሮትን ተቐሪብ፣ ከምኡ'ውን ክብሪን ምስጋናን ነተን ንምእሳር ሽኽ ሓሰን ስልማን ብዝምልከት ፈላሚ ተበግሶ ብምውሳድ ኣብ ምጥባቕን ምሕጽንታን ልዑል ኣበርክቶ ዝገበራ መርበባት-እንተርነታት።- ከም ኣዶሊስ። ፈረጀት።ዓዋተ።ዖና ::ዓርኮከባይ።ዓንሰባ ካልኦትን ትምጉስ፣

ንሕና። ኣባላት ኣሳናዳኢት ቦርድ ኣል-ማሳር መርበብ-እንተርነት።  ብህዝብን። ወግዓዊያን ተጣበቕትን መንጎንኛታትን ንዝተኻየደ ሓያል ጻዕሪታት። ከምኡ'ውን ስቨካዊ ማሕበራት ዘካየድዎ ምሕጽንታትን። ንዘሪኣይዎ ሓድነትን። ኣድናቖትና ንገልጽ፣ ብተውሳኺ ነቶም ጽሑፋት ብምድላውን ቴሌፎን ብምድዋልን። ኩነታትን ምዕባሌታትን ዝተኻታተሉን ምድንጋጾምን ሓልዮትምን  ንዘበርከቱ ልባዊ ምስጋና  ነቕሪብ፣

ካብ ህዝቢ ኤርትራ። ወልቐ-ሰባትን ጉጅሌታትን ውድባትን ስቨካዊ ማሕበራትን  ዝተራእየ ግብረ መልሲ። ንሓይሊን ንቕሓትን ህዚቢ ኤርትራ ዘረጋግጸ ኔሩ፣ ንኩሉ ጉጅላዊን ውድባዊን ስርዓታትን ጸቢብ ዓሌታዊ ኣተሓሰስባን ብምብታኽ። ልዑል መጠን ጭዉነት ህዝቢ ኤርትራ መስክሩ፣ ከምኡ'ውን መርኣያ ሓድነታዊ መርገጺ ኣብ ዝተፋላለዩ ሃገራዊ ዛዕባታትን ጉዳያትን ከምዘለና። ምስ ሃገራውያን መራሕትና ኣብ ግዜ ጸገማቶም ከምንድግፎምን ንሕለቐሎምን  ድማ ኣረጋግጹ፣ 

ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት። ብሰበ-ሰልጣን መንግስት ሱዳን ተኣስሮም ዝነበሩ ኣባላት ፈጻሚት ኮሜቴ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ።- ኣቶ ዓብዱልቓድር ሓምድ። ኣቶ ሮሞዳን መሓመድ ኑርን ኣቶ ሓምድ መሓመድ ኣል-ሓሰን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናጻ ተፍትሖም፣ ብተወሳኺ ምኩርን ገድም ጋዜጠኛን ኣቶ ጀማል ሁመድ'ውን ካብ ቤት ማእሰርት ናጻ ተለቕቑ፣ ከምዝፈለጥ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ብምኽንያት ዑደት ኢስያስ ኣፈወርቂ ንሱዳን ብ22/10/2011 ዓ.ም ብዘይዝኾነ ገበን ከምዝኣሰሮም ይዝከር፣ 

መንግስታት ስዑዲ ዓረብያን ሱዳንን ንህልው ኩነታትን ምንቕስቓሳትን ተቓውምቲ  ሓይልታት ኤርትራ ብምርዳኦም፣ ብፍላይ ድማ  ንኩነታት እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ። ነመስግኖም፣ ከምኡ'ውን ብግብረ-ሰናያትን ጉዱሳት ሰባትን ንዝቐረበሎም ምሕጽንታት ንምፍታሕ ሸኽ ሓሰን ስልማን ኣውንታዊ መልሲ ብምሃቦም ደግምና ነምስግን፣ ንመጻኢ ድማ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ናይ ሰለስትኤን ሃገራት፣ ኣብ እምነትን ምትሕግጋዝን ዝተሰረተ። ዓሚቕ ምርድዳእ ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን ንምምዕባል። ሓድሽ ባይታ ንኽፍጥር። ሰናይ ምንዮትና ንገልጽ፣

 
11/01/2012
Print this page.
http://www.al-massar.com