ደምዳማዊ መግለጺ ሳልሳይ ስሩዕ ምዱባዊ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ደምዳማዊ መግለጺ

ደምዳማዊ መግለጺ 

ሳልሳይ ስሩዕ ምዱባዊ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ሳልሳይ ስሩዕ ምዱባዊ ኣኼብኡ ካብ ዕለት 17- 20 /1/2012 ዓ.ም ( ብ 23-26/2/1433 ህጅርያ) ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ ድሕሪቲ ብደረጃ ውልቕን ውድብን ዞባዊን  ዝተኸስቱ ፍጻሜታት ብምክያዱ  ፍሉይ ኔሩ ክበሃል ይከኣል። ኣኼባ ዝተዛተየሎም ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፣-

ኣኼባ ብዛዕባ ንሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ ዝተሰርሑ ንጥፈታት ገምጊሙ፣ ምኽንያቱ  እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ካብ መፍርቕ ዝሓለፈ ዓመት ጀምሩ ኣብ ምምስራት ናይዚ ሓሳብ ሉዑል ተራ ስለዝነበሮ። ስለዚ ብመሰረት ስምምዓትን ዝተተለሙ መደባትን፣ ብኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ንዝተዳልዉ ጽሑፋትን ፋይናንሳዊ ጸብጻባትን ሰምዑን ገምጊሙን። ውድብና፣ ዋላ'ኳ  ፍርቂ ካብ ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ተኣስሮም ኣብ ዘይምቹእ ኩነታት ይንበር እምበር ኣብቲ ጽንኩር ግዜ ንውሽጣዊን ገዳማዊን ጉዳያት ብምዝምልከት ዝምስገን ስራሓት ፈጽሙ። ከምኡ'ውን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ንዝመጽእ ግዜ ክዕመሙ ንዝተለሞም መደባትን ንጥፈታትን ኣጽድቑ።

ምስዚ ብምትእስሳር፣ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ድሕሪ-ባይታን ምኽንያት ማእሳር ኣርባዕተ ካብ ኣባላትን ኣቦ-ወንበር ውድብን ኣልዕሉ ብዕምቖት ዘትዩ። ምእሳር ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ምፍጻሙ ኣስምሩሉ። ብፍላይ ስምረትን ሓድነትን ውድባት ኣብ ዕሽል ደረጃ ብምህላው፣ ንዑኡ ኩንነታዊን ግብራዊን ንምግባሩ፣ ህላወ ዝምልከቶም መራሕቲ ኣገዳሲ  ረቓሒ ብምንባሩ። ከምኡ'ውን እቲ ዝተኸሰተ ፍጻሜ፣ ምስቲ ኣብ ከተማ ኣዋሳ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ጉባኤ  ንሃገራዊ ዘተ (National Dialogue) ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣጋጥሙ። እንተኾነ ግን ኣምላኽ ይመስገን፣ ውድብና ንኩሉ ጸገማትን መስናኽላትን ስጊሩ ፣ ብልቦናን ብስለትን ክውደብን ክማሓደሪን ክእሉ። ስለዚ ድማ ዋላ'ኳ ሓያል መስናኽላት የጋጥም እምበር፣ ካብኡ ልዑል ተመክሮ ተኸስቡ እዩ። ካብኡ ንምጥቓስ ድማ፣- ውድብና ውሽጣዊ መሳሪዑ ኣደልድሉ፣ ጥምረትን ስጥመትን ኣዕዚዙ፣ ኣብ መትካላቱ ከምዝጸንዕን ዝተኣማመንን ግሪዎ። ብተወሳኺ ካብ ኤርትራዊያንን ይዕሩኽን ፈተውትናን ኣብ መዳያት ፖሎትካ፣ ማዕከናት ሓቤረታን ካልእን ልዑል ምድንጋጽን ምትሕብባሪን፣ ካብ እዋን ማእሳርቲ ክሳብ ምፍታሖም ጀምሩ ከምዝዓዝዝ ገይሩ።

በዚ መሰረት፣ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ንኩሎም ቀጸላታት ህዝቢ ኤርትራ ንዘረኣይዎ ኣውንታዊ ሃገራዊ  መንፈስ፣ ንጸቢብን ድሑሪን ኣተሓሳስባን ውድባዊ ቀይዲታትን ስምዕታትን ንድሕሪት ገድፉ ነቲ ዝወረደ ጸገማት ከም ጸገሞም ብምርኣይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘጸናንዑናን ኩሎም ልዑል ምስጋና ነቕሪበሎም። ከምኡ'ውን ንኩሎም እሱራት ንምፍታሕ ብጽሑፍን መግልጽታትን፣ኣበይቱታን ዘዳልው የመስግን። ብተወሳኺ ፖሎትካዊያንን  ተጣበቕቲ መሰል-ደቂሰባት ውድባትን፣ ማዕከናት ሓበሬታን ምሁራትን ብጾትን የመስግን። ከምኡ'ውን ንኹሎም ሎጅስትካዊን ንዋታውን ሞራላዊን ሓገዞም ንዝበርከቱን ደሃይ ንምርካብ ዝተወከሱናን ዝመጹናን ልባዊ ምስጋናና ነቕሪብ።

ብዛዕባ ኣብ ከተማ ኣዋሳ፣ ኢትዮጵያ ብ 21/11/2011 ዝተኻየደ ጉባኤ ንሃገራዊ ዘተ (National Dialogue) ብዝምልከት ድማ ንውድብና ወክሎም ብዝተሳተፉ ልኡኻት ጸብጻብ ቀሪቡ። ኣኼበኛታት ኣብቲ ጉባኤ ዝተኻየዱ ንጥፈታትን ውጽኢቱን ብዕምቖት ዘትዮም። ምስታፍ ውድብና ብምሉእ ዓቕሙ ኣባላቱ ምስቲ ዘጋጠሞ ጽንኵር ኩነታት፣ መርኣያ ናይ ልዑልን ሓይል ሃረርታን ቆራጽነትን ስሩዕ ውድባዊ መትከልን ትካልዊ ኣቓውማ ውድብና የንጸባርቕ።

ምክያድ ጉባኤ ንሃገራዊ ዘተ፣ ዓቢ ዓወትን ኣገድሲ ስጉምትን እዩ። ኣብ መንጎ ተቓውምቲ ውድባትን ሓይልታትን ኤርትራ ምትእምማን ኣብ ምህናጽ ዝወስድ ቕኑዕ ኣንፈት ንቕድሚት እዩ። ከምኡ'ውን ዝተፈላልዩ ናይ ምቕላስ ማካኒዝምን ሜላታትን ንምፍታሽ፣ ምስ ኩነታትን  ጠለባትን ምቕይያታትን ሃገረናን ዞባናን ዝሳነዩ ንምርካብ ይሕግዝ። ኣኼበኛታት፣ ሃገራዊ ጉባኤ ተራኡ ክዕዝዝን ሓላፍነት ተስኪሙ ብዝግባእ ኣገባብ ክዓይ ይላቦ። ውድብና ድማ ንኩሉ ካብኡ ዝጥለብ ንምምላእን  ሃገራዊ ኣጃሙ ከበርክትን ምስ ተልእኮ ሃገራዊ ጉባኤ ክትሓባበር ምኻኑ ድልዉነቱ ዳግማይ የረጋግጽ። ከምኡ'ውን ዝሰፍሔ ሃገራዊ ስምረት (Coalition) ንምፍጣር ኩላቶም ንጡፋት ሓይልታት- ፖሎትካዊያን ተቓውምትን ስቪካዊ ማሕበራት ዘጠቓልል ንኽህሉ ይትስፎ።

ብተወሳኺ እቲ ኣኼባ፣ ብሰንኪ መላኺ-ስርዓት እናኣንቆልቆለ ዝመጽእ ዘሎ ማሕበረ- ቁጠባዊን ኩነታትን ፖሎትካዊን ጸጥታዉን ስግኣታት ሃገርና ተመልክቱ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብሩ ዜጋታት ስቓዮም እናባኣሰ ብምኻዱን ሰብኣዊ ናጽነትን መሰርታዊያን መሰላትን ተጋህሶምን ተደርቶም ምህላውም ተገንዝቡ። ብፍላይ ኣልቦ-ሽቕለት ገንኑ፣ ግዱድ ወተሃደራዊ  ምዕስካር'ውን እናበርተዐ ይቕጽል ኣሎ። ብስንኩ ድማ ሃገሮም ገድፎም ዝስደዱ ዘለዉ ቁጽሪ መንእሰያት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዓጻጽፈ ብምኻዱ ኣብ ሓጺር ግዜ ሃገርና ብዘይ መንእስያት ደቓ ክጽሙ እያ። እዚ ጥራይ ከይኣክል፣ እዚ ስርዓት ኣብ ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ሓደገኛ ብምኻኑ፣ ብኩሉ መዳያት እዚ ግናይን እኩይን ስርዓት ክጠፍእ  ከምዘግባእ ነዘኻኽር።  ጉጅለ ኢሰያስ ኣብ ሃገርና ወሪዱ  ንዘሎ ሕማቕ ኩነታት ተሓታት ምኻኑ እዩ። በዚ መሰረት ንኩሎም ኤርትራዊያን ፖሎትካዊያን ሓይልታትን ጻዕረታቶም ኣጽፈታ ክዛይዱን፣ ሓይል ናይ ምቕዋም ሜላታት ብምትእትታው ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምጥፍኦም እጃሞም ከበርክቱ ንጽውዕ። ከምኡ'ውን ዓለም-ለኻዊ ሕበረተ-ሰብ ነዚ ስቕያት ህዝቢ ኤርትራ ክግንዘብን፣ ዘይፍትሓውነትን መከራን ኤርትራውያን ንኽብቕዕ ተራኡ ክጻወት ንላቦ። ሰብኣዊያንን ዓለም-ለኻዊ መሰል ደቒ-ሰባት ንምርግጋጽ ዝሰርሓ ማሕበራት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቆብታት ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዑቕባ ክህባን ቕቡል ሂወት ንኽሕልፉ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ክቕሩቡሎም ዳግማይ ንጽውዕ።

ዞባዊ ጉዳያት ብዝምልከት፣ ኣኼበኛታት ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ሶማላውያን  ንዝተኾለዐ ጽልእታትን  ሂወት ኣሽሓት ሶማላውያን ንምቕዛፍ ተሃንዲዱ ንዘሎ ሓደጋ ጥምየት ብዕምቖት ዘትዩ። በዚ መሰረት፣ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ሶማላውያን ዝተወለዐ ኵናትን ደም ምፍሳስን ኣኽትሙ፣ ብሰላምን ብምርድዳእን ሽግራቶም ክፈትሑ ይምሕጸን። ከምኡ'ውን ዓለም-ለኻዊ ሕበረተ-ሰብ ሓገዙን ኣበርክቱኡን ብምዕዛዝ ንሶማላውያን ዘድሊ ረድኤት ብምሃብ ካብ ኣንጻላልይዎም ዘሎ ዓርሞሽሽ ጥምየት ክድሕኖም ንላቦ።

ብዛዕባ ፍትሕን ሰብኣዊ ክብሪን ህዝብታቶም ንምርግጋጽ ዝቓለሱ ዘለው ስውራዊያን ምንቕስቓሳት ዓረብ  ከም ነጥቢ ተዘትይሉ። ነዞም ሰውራታት ዘለዎም ደገፍ'ውን ኣረጋግጹ። ኣብቲ ንዝዓለምዎን ክበጽሕዎ ንዝደልዩ ለውጥን ጥሙሓትን ባህግታትን ዓወት ክጋናጸፉ ይምነየሎም።  

ኣኼበኛታት፣ ኣብ መንጎ ሓማስን ፍልስጥማዊ ጉጅለ ጅሃድን ንምሕባር ወስዶሞ ዘለዉ ተብግሶታት ሓጎሶም ይግልጹ። ንሓድነት  ህዝቢ ፍልስጥም ዘደልድልን ንቓልሶምን ሃገራውነቶም ዝሕይል ብምኻኑ ድማ ኣምላኽ ክሕግዞምን ክስምሩን ፍትሓዊ ጉዳዮም ክዕወትን ንጽሊ።

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት 

እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ

21/1/2012

 
23/01/2012
Print this page.
http://www.al-massar.com