| |
 
 
ኤርትራዊ ዲሞከራስያዊ ኬዳን : ሁጹጽ መጸዋዕታ ንሰበ-ስልጣን የመንን ሕብረተ-ሰብ ዓለምን
22-05-2012
2084
 

ሁጹጽ መጸዋዕታ ንሰበ-ስልጣን የመንን ሕብረተ-ሰብ ዓለምን

 

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑደይዳ የመን ዝርከቡ 244 ስደተኛታት ኤርትራውያን ንዋሕዲ መግብን ተላጋቢ ሕማምን ተቓሊዖም ይሳቐዩ ምህላዎም ካብኡ ዝመጸና ሓበሬታ የረጋግጽ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብዚ ሓበሬታ’ዚ ብምብጋስ ከኣ ነዚ ዝስዕብ ሓቅታት ከብርህ ግድነት ይህልዎ።

  • ኤርትራውያን ኣብ የመን ክስደዱ ዝገደደ ቀንዲ ምክንያት ብስንኪ’ቲ ኣዕናዊ ፖሊስታትን ተግባራትን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘስዓቦ ዝኸፍአ ፖሎቲካዊ ውጽዓታትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ምዃኑ፡፡
  • ኤርትራውያን ብሓፈሻ ሰደተኛታት ከኣ ብፍላይ ናይቲ ዝተሰደድሉ ሃገራት ኣህዛብ ዘኽብሩን ንዝግበረሎም ኩሉ መዳያዊ ምትእንጋድ ዘመስግኑን ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑደይዳ ዝርኸቡ መንእሰያት ናብ የመን ክስደዱ ዝገበሮም ምክንያት ውሕስነት ሰላምን ጸጥታን ንምርካብ’ዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ሓቅታት መሰረት ብምግባር፡ ሰበ-ስልጣን የመን ኣብ ሃገሮም ክስደዱ ዝተገደዱ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑደይዳ ዝርኸቡ ከኣ ብፍላይ፡ ናብ ሃገሮም ተገዲዶም ምስ ዝምለሱ ዝጽበዮም ዕጫ ስለዘይፍለጥ፡ ካብ ድሌቶም ወጻኢ ንኤርትራ ከይምለሱን ኣብ ውሑስን ምቹእን ቦታ ክሰፍሩን ኩሉ ኣድላዪ ምትሕግዝ ክግበረሎም ንምሕጸን።

ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ማሕበራትን ትካላትን ብፍላይ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮምሽን ስደተኛታትን ዓለምለኻዊ ማሓበር ቀይሕ መስቀልን ኣብ ፍቆዶ ሃገራት ንዝርኸቡ  ሰደተኛታት ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣብ የመን ንዝርኸቡ ከኣ ብፍላይ ሰብኣዊ መስላቶም ክሕለውሎምን መሰል ዕቁባ ክረኽቡን ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻወቱ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ለበዋና ነቕርብ።

ኤርትራዊ ዲሞከራስያዊ ኬዳን

22 ግንቦት 2012

 
 
 
Romodan Mubark
تهنئة بعيد الفطر المبارك
Romodan Mubark
Treasury Sanctions Eritrean Military Leader in Connection with Serious Human Rights Abuse ...
G-7 Nations Call for Swift Withdrawal of Eritrean Troops from Tigray
Statement attributable to the UN High Commissioner for Refugees Filippo Grandi on the situ ...
Eritrea: Conscription System’s Toll on Education
OPEN LETTER TO THE ERITREAN HEAD OF STATE
 
ኣል-ማሳር መርበብ-እንተርነት ብሓድሽ ቕዲ
Field trials for recruits in the city of Teseney
UAE likely to be building a naval facility in Eritrea
Romodan Mubark
ኣቐዲማ ዝተጨውየት ነፋሪት ንምምላስ ናብ ስዑዲ ዝተላእ...
ደምዳሚ መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲ...
Romodan Mubark
ደምዳሚ መግለጺ ሳልሳይ ስሩዕ አኼባ ቤት ምኽሪ እስላማ...
Current Weather
World Clock
 

Name :
Email :
Subject :
Message :
Like to Subscribe News Letter :
 
© Copyrights 2025 | Eritrean Islamic Conference (Al-Massar) By : ShahBiz