| |
 
ንሕና መን ኢና
 

ኣል-ማሳር መርበብ-እንተርነት 

መግለጺ
ኣል-ማሳር ወግዓዊ ልሳን ናይ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ኣብ መርበብ-እንተርነት እዩ፣ ኣብ 2007 ዓ.ም ዝተጀመረ ይኹን እምበር ። ብሰንኪ ተክንካዊ ጸገማት ተቓርጹ ጸንሑ፣ ኣብዚ ግዜ`ዚ ግን ኣብ ኩሉ መዳያት ማለት ኣብ ትሕዝቶን። ድዛይንን ብዘተገብረ ምምሕያሻት። ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕጽረት ሓቤሬታ ከማልእ ተዳልዩ ኣሎ፣ ብፍላይ ብሰንኪ`ቲ ጃንዳ እሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢናን ሃገርናን ዘካይዶ ዘሎ ምግሃስ መሰርታዊ ሰብኣዊ መሰላት። ናጻ ፕረስን። ገበናትን በደላትን ሓበሬታ ንምርካብ ክኽእል እዩ፣ነቲ ኮነ እልካ። ኤርትራዊ መንነትን ባህልን ንምብራዝን ሓድሽ መንነት ዘለዎ ዜጋ። ብዛዕባ ባህልን ታሪኺን ማሕበራዊ ትሕዝቶ ሃገሮም ዘይግደሱ ዜጋትት ንምፋጥር ዝካየድ ፍሹል ሜላታት ከቓልዕ እዩ፣
እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ:

እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ። 
ፖሎትካዊ ወዱብ ኮይኑ። ኩነታት ኤርትራ ንምቕያር። ፍትሕን ናጽነትን። ሃይማኖታዊ ክብረታት ብምቕጣቕ ዝሰርሕ ፖልትካዊን ማሕበራዊን ዉድብ እዩ፣ እዚ ወድብ ብሰዊራዊ መትከላት ዝቕየድ ኮይኑ። ብማእከላይ እስላምዊ ኣረኣእያ እናተኸተለ ንምርግጋእን ጸጥታን ሃገርና ዝሰርሕ`ዩ፣ ከምኡ`ውን ባህልን ሰነ-ምግባርን ሕብረተ-ሰብና ኣብ ግምት ብምእታው። ህዚቢ ኤርትራ ሓጎስን ቕሳነትን።ሰላምን ንኽጎናጸፍ ይዓዪ። እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ  ብ26/3/2006 ዓ.ም ዝቆመ ወድብ ኮይኑ። ናይ ገዛእ ርእሱ ውድባዊ ቕርጺን ቤት-ጽሕፈትን ኣለዎ፣ ብተወሳኺ ንጥፍ ኣባል ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ማለት ንዓበይቲ ፖሎትካዊያን ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዝሓቕፍ ኪዳን እዩ፣ 

ምጅማር።-
ካልኣይ ፈነወ ኣል-ማሳር ኣብ መርበብ እንተረንት ብ ግንቦት 17, 2010 ዓ.ም ብ 17.05.1431 ህጀርያ ተጀምሩ፣

እንጥቐመሎም ቛንቛታት።-
ብመሰረት ዝወጸ መድብ። እዚ መረበብ ብ 3 ቛንቛታት ይቐሪብ።- ትግርኛ። እንግሊዘኛ። ዓረብኛን፣ምኽንያት ምምራጽ ናይዜን 3 ቛንቛታት ንምብራህ ድማ። ትግርኛን ዓረብኛን ከም ወግዓውያንን ዝውቱራትን ቛንቛታት ኣብ ኤርትራ መጠን ኣብ ግመት ብምእታው፣ ቛንቛ እንግሊዘኛ ድማ ከም ዓለም-ለኻዊ መጠን። ሓቤረትና ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ንምብዘርጋሕ ክሕገዘና ተባህሉ ንጥቀመሉ መሪጽና፣
ኣብቲ ምጅማርያ። መርበብ ሓበሬታና ብቛንቛታት እንግሊዘኛ። ዓረብኛን ጀምሩ፣ ቕጽልና ድማ ። ድሕሪ ዘድሊ ረቛሒታት ምምላእ። ቛንቛ ትግርኛ ከምዘጠቓልል ተጌሩ፣ በዚ መሰረት ድማ። ኣል-ማሳር ዝተለሞም እስትራትጅካዊ ሽቶታቱ። ማለት ብ 3 ቛንቛታት ናይ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ሕልሙ ተግባራዊ ጌርዎ፣

ኣርማ ኣል-ማሳር።-
ንሓቕነትን ንምሕረት ፍጣሪ-ዓለምን ምውፋይ እዩ፣

ዕላማታት መርበብ ኣል-ማሳር።-
1.መርበብ ኣል-ማሳር ብዘካይዶ ናይ ሓበሬታ (መዲያ) ምዝርጋሕ ጻዕረታቱ፣ ነዞም ዝስዕቡ ዕላማታት ንምርግጋጽ ይሰርሕ፣
2. ብዛዕባ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ። ከም ሃገራዊ ውድብን። ፖሎትካዊ ራኢኡን ንዘተፈላለዩ መዳያት ሂወት ናይ ኤርትራዊያን ብዝምልከት ዘለዎ መርገጺኡን ንህዝቢ ኣፍልጦ ንምሃብ ይነጥፍ፣
3. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘወርድ ኢሰብኣዊ ገበናትን ግፍዕን ስቓይን ምግሃስ መሰረታዊ መሰላትን ንምጉላሕን ምብራህን። ከምኡ`ውን ንዑኡ ንምብዳህን ተራኡ ምብርካት፣
4. ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ጉዳያቱን ሻቕሎቱን ንክዝቲን ክላዘብን ጥጡሕ ባይታ ምፍታጣር፣ከምኡ`ውን ኩነታት ውሽጢ ሃገር ከመይ ከምዝመስልን። እንታይ ክግበር ከምዝካኣል ንምሕባርን ምዝኽካሪን ይሰርሕ፣
5. ብሰንኪ`ቲ ወልቐ-መላኺ ስርዓት ዝካየድ ዘሎ ገብናትን ምግሃስ ሰባዊ መስላትን ኣብ ህዝብን ሃገረን ምቕላዕ፣
6. ኣብ መንጎ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ን ህዝቢ ኤርትራን ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ዝግደሱን ስቪካዊያን ፖሎትካዊያን ሓይልታትን ዉድባትን ርክባትን ምምያጥን ንምክያድ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር፣

መትከላት።-
ኣል-ማሳር ንሞያን ክብሪን ዜናዊ ስራሕ ንምዕቓብን  ሓቕነትን ቅንዕናን ዝውሃብ ሓበሬታ ንምርግጋጽ። በዞም ዝሰዕቡ መትከላት ይሰርሕ።-
1.ኩሎም ዝቐርቡ ሓበሬታት ኣብ ኵንነትን ሓቕነትን ዝተሞርኮሱ ንምዃን ብተወፋይነት ምስራሕ፣
2. ዝኾነ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ብጽፈት ከምዝውሃብን ከምዝስነድን ምርግጋጽ፣
3. ንወልቐ-ሰባትን ኣካላትን ምንሽውን ምጽላምን ምውጋድ፣
4. ንኣንጻር ዝኾኑ ሓስባትን ርእቶትን ምኽባር፣

ኣርእስታትን ትሕዝቶን።-
ኣል-ማሳር መርበብ ሓበሬታ ሓፈሻዊን ኩሉ እንትናዊን ፍጻሜታት ማለት ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን ንዝረከቡ ኤርትራዊያን ብዛዕባ ፖሎትካዊን ማሕበራዊን ፍጻሜታት ሃገሮም ሓበሬታ ይስንቕ፣ ከምኡ`ውን ብእስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ  ንዝካየዱ ንጥፈታት በዞም ዝስዕቡ ኣርእስታትን ዓምድታትን ኣብሉ ሓበሬታ ይህብ።-

  • ዜና።- ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝካየድ ፍጻሜታትን ንጥፈታትን እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ  ብዜና መልክዕ ይሽፍንን ይዝርግሕን፣
  • ዓንቀጻት።- ብዛዕባ ፖልትካዊን ማሕበራዊን ስነ-ሓሳባዊን ጉዳይት ኣኤርታራ እናኣልዓለ ይዝቲ፣
  • ሓባራዊ ዘተ፣- ኣብዚ ዝተፈላለዩ ሓባራዊ ዘተን ቓል-ማሕተታትን ብክፍሊ ሓበሬታ (ምድያ) ናይ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ  ምስ ዝተፈላለዩ ፖሎትካዊ ሓለፍቲ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዝተኻየደ ይቐሪብ፣
  • ጸብጻባት።- ኣብዚ ዓመድ`ዚ ብዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ሓለፍቲ እተዳለዉ ጸብጻባት ይቕሪቡ፣ ብተወሳኺ በብእዋኑ ንዝረኣዩ ምዕባሌታት ብምክትታል ማለት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ብ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ  ዝቐረቡ ጽብጻባት ይዝርግሕ፣
  • ምስናድ።- ኣብዚ ብእስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ  ዝተዳለዉ ፖሎትካዊን ስነ-ሓሳባዊን ራኢታት ውድብን ብተወሳኺ ምስ ታሪኺን ፖሎትካዊን ጉዳያት ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ ሰነዳት ንህዝቢ ዝቐርቡሉ መስኮት እዩ፣
  • ጽሑፋት።- ኣብዚ ዓመድ`ዚ ብ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ዝተዳለዉ ጽሑፋት ከም ፓምፍሌት። መጻሕፍቲ። ብድምጽን ቪድዮን ዝተሰነዩ ሓበሬታት ንተጠቐምቲ ዝቐርበሉ ኣፍ-ደገ እዩ፣
  • መጽናዕትታት።- ኣገደስቲ ዛዕባታትን ጉዳይትን ኣናኣልዓለ። ንህልው ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት። ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ወይ መድረኻት መጽናዕቲ ብምክያድ። ጠንቕታቱን። ስፋሓትን። ዕምቖትን። ጽልዋኡን….ው.ዘ.ተ ብዝምልከት ትንታነ የቕሪብ፣
  • ኣርካይቭ።- ኣብዚ እቶም በብእዋኑ ብማዕከን ሓበሬታ እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ  ዝተዳልዉ ጽሑፋትን ሰንዳትን ብጉቡእ ዝዕቐበሉን ዝኽዘነሉን ክፍሊ`ይ፣§ መጋባእያ ዘተ (ምምይያጥ)።- እዚ መስኮት`ዚ ኣብ መንጎ ተኻታተልትን በጻሕትን ናይ`ዚ መርበብ ንዝካየድ ምልውዋጥ ሓበሬታ ባይታ ይፍጥር፣ ኣብዚ ኩሎም ተጋባእቲ ብዛዕባ ሓሳብቶምን ርእታቶምን ክካትዑን ሃነጽቲ ሓሳባት ከፈልፍሉን ትጽቢት ይግበር፣
  • ማህደር ኣልቡም (ስእሊ)።- ኣብዚ ንኩነታት መንባብሮን ባህልን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቑ ስእሊታት ይርከቡ፣ ዕላምኡ ድማ ሰባት ብዛዕባ ባህልን መንባብሮን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍልጦ ንምስናቕ እዩ፣
  • ተልእኮና።- ተልእኮና ኣብ መንጎ በጻሕትን መርበብ ሓብሬታናን ድልዱል ርክባት ንምፍጣር እዩ፣ ብተወሳኺ`ውን ሃነጽቲ ሓሳባትን ርእቶታትን ብምእካብ ንጠለባት በጻሕቲ ምስሳይን ምምላእን እዩ፣

 

 
 
Statement attributable to the UN High Commissioner for Refugees Filippo Grandi on the situ...
ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ...
Field trials for recruits in the city of Teseney
Eritrean army conscripts 'killed in Asmara escape bid'
እዋናዊ ዜና:- ሰበ-ስልጣን ንግሰነት ሱዑዲ ንፕረስደንት ...
መግለጺ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብኣጋጣሚ መበል 21 ...
ደምዳማዊ መግለጺ ሳልሳይ ስሩዕ ምዱባዊ ኣኼባ ፈጻሚት ...
OPEN LETTER TO THE ERITREAN HEAD OF STATE
Current Weather
World Clock
 

Name :
Email :
Subject :
Message :
Like to Subscribe News Letter :
 
© Copyrights 2024 | Eritrean Islamic Conference (Al-Massar) By : ShahBiz