| |
 
 
ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡
25-11-2013
1696
 

 

 

 ደምዳሚ መግለጺ

3ይ ስሩዕ ኣኼባ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡

 

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ 21-24 ሕዳር 2013 ኣብ ዘሎ ጊዝያት ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ኣሰላሲሉ፡፡ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብዚ ኣኻባኡ እዚ ንህልዊ ሃገራውን፣ ዞባውን፣ ዓለማውን ኩነታት፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓፋሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተኻየዱ ዕማማት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ብዕምቆት ተመያይጡን ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉን፡፡

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህልዊ ሃገራዊ ኩነታትና ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ወጽዓን ግፍዕን ይቕጽል ምህላዉ፡ እዚ ከኣ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበነኛዊ ፖሊሲታት፡ ድርብ ምዝመዛ፣ ቅንጸላ፣ምህማሽ፣ ምእሳር፣ ምፍንቓልን ግህሰት ተራ ሰብኣዊ መሰላትን የስዕብ ከምዘሎ መዚኑ። ናይዚ ጽዑቕ መርኣያ ከኣ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ዕለታዊ ሂወት ህዝብና ናብ ሓደገኛ ዕንወትን ጥፍእትን ክምርሕን፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት በብግዝየኡ ብኣሽሓት ክውሕዝን ይግብሮ ይርክብ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ሃገራዊ መኽሰባት ንምብርዓን ዝህድድ ብምዃኑ ምቕጻሉ ሓደገኛ ምዃኑ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ገምጊሙ።

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ደንበ ተቓውሞ ኣመልከቱ ኣብ ዝዘተየሉ፡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ተጋድሎ ብምንኣድ፡ ሃገራዊ ጉዳይና ዝገጥሞ ዘሎ ታኣፋፊ መድረኽ ማለት ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸጥታውን ኩነታት ብምስትውዓል፡ ካብ መሰረታዊ ዕላማታትና ዘርሕቑና ነገራት ብምእላይ ንምቅልጣፍ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ናብ ዕርብቱ ዝሳጥሕ ዘሎ ብቐዳምነት ምስራዕ ኣድላይነት ከምዝለዎ ኣረጋግጹ። ገድላዊ መድርኻዊ ሕቶታት ንምምላስ ኣድላይ ዓቕምን መሳርሕታትን ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣስሚሩሉ ሓሊፉ፡፡ ኩሉ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ መሳርዒታቶም ብምስማር፡ ሚዛን ሓይሊ ናብ ራብሓኦም ንምውዓልን፡ ነዚ ሓደጋ እዚ ንምዕጻፍን ህልዊ ብዱሁታት ብግቡእ ንምግጣምን ልዑል ጻዕሪታት ክግብሩ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ይጽውዕ።

ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከት፡ ፖለቲካዊ ቤ/ጽ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝገጥሞም ዘሎ ጸገማት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ሂወት ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝጠፈኣሉ ሓደጋ መቕዘፍቲ ላምባዶሳ ኣብ ዝርኣየሉ ህሞት፡ ነዚ ዘሕዝን ተረኽቦ እዚ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምሉእ ሓላፍነት ዝስከም ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እዚ ኣሰቃቂ ሓደጋ’ዚ ምስ ተኸስተ፡ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስኮ ዝወሰድዎ ሰብኣዊ መርገጽን፡ ህዝብን መንግስትን ኢጣልያን፡ ንግዳያት ናይ’ዚ ሓደጋ’ዚ ዝኾኑ ዜጋታትና ካብ ዝጠሓልዎ ዓሚቕ ባሕሪ ሬሳታቶም ኣብ ምውጻእን ምእካብን ብህይወት ንዝተረፉ ኸኣ ኣብ ምድሓኖም ዝገበርዎ ምትሕብባርን ልዑል ምስጋናኡ ኣቅሪቡ። ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ሓደጋ’ዚ ኣመልኪቱ ዝወስዶ ሰብኣዊ መርገጽን ውሳኔን’ውን መጒሱ ገሊጹ። ማሕበረ ሰብ ዓለም ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣተኩሮ ክገብርን ልዑል ሓላፍነቱ ክጻወትን ኣብ ኣህጉራዊ ቻርተራት ስፊሩ ዘሎ ሰብኣዊ መስላቶም ክኽብርን ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ይምሕጸን።

ቀጺሉ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ ካብ ኣብያተ ጽሕፈታቱ ኣብ ዝቐረቡ ስሩዕ ጸብጻባት ብዕምቆት ብምግምጋም፡ ንዝተፈጽሙ ዕዮታት ብምዕቃቡን ንጸንሐ ሕጸረታት ንቅድሚት ከምሓየሹ ብምርኣይን፡ ከይተፈጸሙ ዝተርፉ መደባት ከኣ፡ ብመስረት ጸዲቁ ዘሎ ትልሚ ዕዮ፡ ኣብ ቀጻሊ ክፍጸሙ ከምዘለዎ ኣረጋጊጹ። ስርሓት ኤዲኪ ብሓፈሻ ንምንጣፍን ንጥፈታት ጨናፍሩ ብፍላይ ዓይነታዊ ንምግባርን፡ ተዋሂቡዎም ዘሎ ዕማማት ብዝገባእ ንምፍጻምን፡ ተደራቢ ስራሕን ጻዕርን ከምዘድሊ ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን ሰርሓት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን፡ ዕማማት ኣሳናዳኢ ሽማግለ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤን ንምዕዋት፡ መስረታት ውድባት ኤዲኪ ገድላዊ ተራኦም ክብ ብምባል ኩሉ መዳያዊ ደገፋቶም ክብርክቱ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት መጸዋዕትኡ ኣቅሪቡ።

ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንዲሞክራሲያዊ ተጋድሎ ህዝብና ንምዕዋት ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ስደተኛታት ኤርትራውያን ተቀቢሎም ምትእንጋዶምን ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ብርክታት ትምህርቲ ክመሃሩ ምቕባሎምን ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ልዑል ምስጋናኡ ኣቅሪቡ፡፡

 

ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

24 ሕዳር 2013 

 
 
 
Romodan Mubark
تهنئة بعيد الفطر المبارك
Romodan Mubark
Treasury Sanctions Eritrean Military Leader in Connection with Serious Human Rights Abuse ...
G-7 Nations Call for Swift Withdrawal of Eritrean Troops from Tigray
Statement attributable to the UN High Commissioner for Refugees Filippo Grandi on the situ ...
Eritrea: Conscription System’s Toll on Education
OPEN LETTER TO THE ERITREAN HEAD OF STATE
 
Eritrean regime prevents the entry of trucks from Sudan to Eritrea
Field trials for recruits in the city of Teseney
ኣል-ማሳር መርበብ-እንተርነት ብሓድሽ ቕዲ
Romodan Mubark
Statement attributable to the UN High Commissioner for Refugees Filippo Grandi on the situ...
ዮሃና እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ ብምኽነያት ርሑስ ዒድ ...
እዋናዊ ዜና:- ሰበ-ስልጣን ንግሰነት ሱዑዲ ንፕረስደንት ...
ፍጻሚት ቤት ጽሕፈት ጋዜጣዊ መገልጺ ንምሕባር ብዛዕባ ...
Current Weather
World Clock
 

Name :
Email :
Subject :
Message :
Like to Subscribe News Letter :
 
© Copyrights 2024 | Eritrean Islamic Conference (Al-Massar) By : ShahBiz